21 እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!
ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል ካብ ዝመሃር፥ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል።
“ኣነ ጥበበኛ እየ” ዝብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ካብኡ ንሰነፍ ተስፋ ኣለዎ።
ሃካይ፥ ብምስትውዓል ክምልሱ ኻብ ዝኽእሉ፥ ሸውዓተ ሰባት ዝበለፀ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይመስሎ።
በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።
ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም።
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
ነሕሉቕ ከም ከንቱ፥ ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም።
“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።
ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።