18 እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥
ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤ ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።
ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤ ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
ብመልሓሱ ጠቢሩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ።
እንጀራ ሓጢኣት ይበልዑ፤ ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ።
ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ነቢያትውን፥ ዘስካሕክሕ ነገር እንትገብሩ ረአኹ፤ ይምንዝሩ፤ ብሓሰት ይመላለሱ፤ ሓደ እኳ ኻብ ክፍኣቱ ኸይምለስ፥ ንኢድ ክፉኣት የበራትዑ። ኵላቶም ከዓ ኸም ሰዶም፥ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ።
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
“ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥
“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ።
ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ ዝመስሎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ።
ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዅሉ፥ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር፥ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ።
ሚካ ድማ፥ “ሌዋዊ ካህን ስለ ዘለኒ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝገብረለይ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ።