15 ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን።
ንስኻ ንዝተጠቕዑ ህዝቢ ተድሕን ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ዕቡያት ግና ተዋርዶ።
ኦ ጐይታ፥ ልበይ ኣይተዓበየኒ፤ ኣዒንተይውን ልዕል ልዕል ኣይበላኒ። ምስ ዓበይቲ፥ ካባይ ዝበለፀ ምስ ዝኸበሩ ኣይከድኩን።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?
ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤
እግዚኣብሄር ግና “ኵሉ ግብሩ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምስ ፈፀመ ንንጉስ ኣሶር ስለ ትዕቢት ልቡን፥ ንድርቅና እተን ኵሩዓት ኣዒንቱን ክቐፅዖ እዩ።”
እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም።
ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።
ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም።
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።