12 ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
ስለ ምንታይ ብስውር ሃደምካ ኻባይ ከዲዕኻ ዀብለልካ? ነጊርካኒ እንተትኸውንስ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።
ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?
እዙይ ከዓ ንእኡ ኻብ ምኽታል ስለ ዘግለሱ፥ ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ።
ንሳቶም ንስራሕ እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣይሓሰቡንሞ፥ ከፍርሶም እዩ እምበር ኣይሃንፆምን።
ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።
ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ።
ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።
“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።
ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
እቲ ህይወት ዘይብሉ፥ ከም እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ፥ ዝደምፅ ነገራት፥ ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ?
እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።
እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ።