11 እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!
ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?
ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።
ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።
ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።
ካብ ደጊም እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፤ እቲ ዘስክር መስተ ንዝሰትይዎውን ክመሮም እዩ።
ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።
እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥
‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።
ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ!
ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም።
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር።
ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም።
ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን።