1 ሕዚ ስለ ፈታዊየይን፥ ስለ ኣታኽልቲ ወይኑ ንፈታዊየይን፥ ቅኔ እቕነ ኣለኹ። ንፈታዊየይ ኣብ ልዕሊ ፍርያም ኰረብታ፥ ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ።
ምሕረትን ፍትሕን እቕነየልካ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ፥ ምስጋና ክዝምረልካ እየ።
ልበይ ሰናይ ነገር ኣፈልፈለ፤ ኣነ ስራሐይ ንንጉስ እነግር፤ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ፀሓፊ እዩ።
እቶም ፈተውትኻ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ብየማንካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን።
ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።
ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤ ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።
ኣነ ደቂሰ እየ፤ ልበይ ግና ነቒሑ እዩ፤ ድምፂ ፍቱወይ እዩ፤ ንሱውን ማዕፆ ይዅሕዅሕ ኣሎ። “እቲ ርእሰይ ጠሊ፥ ጐተናይ ከዓ፥ ኣውሊ ለይቲ ጠልቅዩ እዩ እሞ፥ ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።”
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ፍቱወይ ከዓ ናተይ እዩ፤ ንሱ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት፥ መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ።
ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።
ኣነ ኸም ሕሩይ ሃረግ ወይኒ፥ ካብ ፅሩይ ዘርኢ ገይረ ተኸልኩኺ፤ ከመይ ኢልኪ ደኣ፥ ናብ ድቃላ ሃረግ ወይኒ ተለወጥኪ?
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ?
እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤ ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።
እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።
ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ።
ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ።
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥