8 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥
ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።
ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
ኦ ጐይታ ኣነ ግና፥ ብቕብልቲ ጊዜ ፀሎተይ ናባኻ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ብሓቂ ምድሓንካውን መልሰለይ።
ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ፤ ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ።
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።
ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።
ግና ንቓል ባርያይ ኣፅንዖ፥ ንምኽሪ ልኡኻተይ እፍፅሞ እየ። ንኢየሩሳሌም ‘መንበሪ ሰብ ክትኮኒ ኢኺ’ ኢለ እነግራ፤ ከተማታት ይሁዳ ‘ክህነፃ እየን’ ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ።
“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤ ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤ እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥ መንበሪ ኽገብረን እዩ።
ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤ ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።
ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።”
ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።”
እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ?
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።
ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።
“ብሕርይቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ” ኸም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።
እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለላ ኺዳን፥ ካብታ ኣረጊት ዝበለፀትን፥ ኣብ ዝበለፀ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝኾነት፥ እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት፥ ካብቲ ናታቶም ዝበለፀ እዩ።