Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 49:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሕዚ ኣነ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢረ ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ሓይለይ ኮይኑኒ እዩ፤ ንያእቆብ ናብኡ ምእንቲ ኽመልሶ፥ ንእስራኤልውን ናብኡ ምእንቲ ኽእክብ፥ ባርያኡ ክኸውን፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 49:5
30 Referencias Cruzadas  

ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።


እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።


እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።


“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።


ዝፈጠረካ፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐካ፥ ዝረድአካ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።”


ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።


ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።


“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።


እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”


ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’


ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።


ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።


ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።


“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።


ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤


እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።


“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤


ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።


እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤


ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።


እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥


ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos