4 ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።
ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
ብዙሓት ሰባት ገፅ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ንምንታይ “መንገደይ ካብ እግዚኣብሄር ተሰዊራ እያ፤ ፍርደይ ድማ ኻብ ኣምላኸይ ሓሊፋ እያ” እትብል? ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ?
ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።
ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”
ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።
ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።
ግናኸ ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱን ካብ መንገዲ ሓጢኣቱን እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ።
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም።
ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን።
ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።
ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?
ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።