Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 49:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ሽዑ ብልብኺ ‘ኣነ ናይ ወላድ መኻን ኮይነ እየሞ፥ ኣነ በይነይ ምርኽትን ስጕጕትን ዝነበርኩስ፥ ነዚኣቶም መን ወለደለይ? ነዚኣቶምከ መን ኣዕበዮም? በይነይ እየ ተሪፈ ዝነበርኩ፤ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ?’ ኽትብሊ ኢኺ።”

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 49:21
21 Referencias Cruzadas  

ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት።


እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ።


ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም።


በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ።


ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።


ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።


“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።


ርግቢታት ናብ ሰፈረን ከም ዝበራ፥ እዞም ከም ደመና ዝበሩ እዚኣቶም እንመን እዮም?


ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ምድርኺ ኸዓ ድሕሪ ደጊም፥ ዑና ኣይትብሃልን እያ። እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ፥ ምድርኺውን ሰብኣይ ክተእቱ እያሞ፥ ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ።


ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።


ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።


ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!


እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos