2 ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።
ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።
ብብርሃን ፍላፃታትካን፥ ብምንፅብራቕ ማሕማሕ ዝብል ኲናትካን፥ ፀሓይን ወርሕን ኣብ ዘዘለዋኦ ቖማ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።