10 እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ።
ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥ ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤ ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።
ምድሪ ረመፅ፥ ቃላይ፥ ምድሪ ኣፃምእ ከዓ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ። እታ ወኻሩ መሳፍሮ ገይረናኣ ዝነበራ ስፍራ፥ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ።
እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥ ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤ ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤ ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።
እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ እዩ፤ ኣይመውትን ናብ ጕድጓድውን ኣይወርድን፤ እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።”
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።
ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።