6 ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።
ነዙይ ዝሕልዎ ለባም መን እዩ? እግዚኣብሄር መሓሪ ኸም ዝኾነ ኸስተውዕል እዩ።
ኵሉ ፍርዲ ኣንደበትካ፥ ብኸንፈረይ ነገርኩ።
ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ።
ብዙሕ ነገር ረአኹም፤ ግና ኣየስተውዓልኩምን፤ ኣእዛንኩም ክፉታት እየን፤ ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።”
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።
እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
ንስኻ “ነዙይስ እፈልጦ ነይረ” ምእንቲ ኸይትብል፥ ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ነገር ከስምዐካ እየ።
ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?
“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?
ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ።
ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም።
ግና እቲ ፅሑፍ፦ “ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል።
እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።
ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።