5 ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤ እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
ከማይ ዝበለ መን ኣሎ? እስቲ ይለዓል እሞ ይዛረብ፤ ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝፈጠርኩሉ ጀሚሩ፥ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ፤ ብዛዕባ እቲ ዝመፅእን፥ ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር።
ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፤ ብቐደሙዶ ኣይነገርኩኹምን እየ? ወይ ኣየርአኹኹምን ድየ? ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። ብዘይ ዘኣይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ? ካልእ ኰዅሒ የለን፤ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’