3 እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።
ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።
እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።
ይምፅኡ፥ ነቲ ዝኸውንውን ይንገሩና፤ ልቢ ኽንገብር መወዳእታኡውን ክንፈልጥ፥ እቶም ዝቐደሙ ነገራት፥ እንታይ ከም ዝኾኑ ተናገሩ፤ እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና።
ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።
እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”
ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”
ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።