22 “ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል እግዚኣብሄር።
ሓደ ኸዓ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ኽራኸቦም ከይዱ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ጠየቖም። ኢዩ ኸዓ “ንስኻ ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ። እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፤ ግና ኣይተመለሰን” ኢሉ ነገረ።
ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኣቶም መፂኡ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” በሎም። ኢዩ ኸዓ “ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ።
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ማያቱውን ጭቃን ርስሓትን የውፅእ እዩሞ።
ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤
ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።