21 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥ ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤ ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤ ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።
ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
ኰዅሒ ሰንጠቐ፤ ማያትውን ኣውሓዘ፤ ወሓይዝ ብበረኻ ኸዱ።
ዓይኒ ማያትን ወሓዝትን ሰንጠቕካ፤ ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ።
ኣብ ምድረ በዳ ነኻውሕ ጨደዶ፤ ካብ ቃላይ ከም ዝርከብ ብዙሕ ማይ ኣስተዮም።
ዓይኒ ማያት ካብ ኰዅሒ ኣውፅአ፤ ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ።
እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።
እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኰዅሒ ብበትሩ ኽልተ ሻዕ ወቕዖ፤ ብዙሕ ማይ ከዓ ፈልፈለ፤ እቶም ማሕበርን ከፍቶምን ድማ ሰተዩ።