15 ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤ ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤ ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤ መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።
ስለ ቕንዕናን ስለ የውሃትን ስለ ፅድቅን ኣቕንዕ፤ ተዳሎ ንገስውን፤ የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ።
“ካብ ምብራቕ ንሓደ ዘልዓሎ፥ ብፅድቂውን ናብ እግሩ ዝፀውዖ መን እዩ? ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንነገስታትውን ኣግዘአሉ፤ ንሰይፉ ኸም በነንታ፥ ንቐስቱ ኸዓ፥ ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም።
ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
ንቂሮስ ብፅድቂ ዘተሳእኽዎ ኣነ ባዕለይ እየ፤ ኵሉ መንገዲ ኸመዓራርየሉ እየ። ውዕለት እንተይተኸፍለ፥ ጉቦ እንተይተቐበለ፥ ንኸተማይ ከም ብሓድሽ ክሓንፃ እዩ፤ ንምሩኻተይ ድማ ብዘይ ክፍሊት፥ ወይ ብዘይ ዋጋ ኽመልሶም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናብ ምድሪ ሞራታይምን፥ ናብቶም ኣብ ፋቁድ ዝነብሩን ውፃእ እሞ፥ ቅተሎምን ኣጥፍኣዮምን። ብዅሉ ድማ ኸምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር።
ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።