13 ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤ የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤ እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።
ነቶም ከም ዝመኸኸ መስትያት ንዝኾኑ ሰማያት፥ ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ?
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
ንብሙሉኦም ከዋኽብቲ ይቘፅሮም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ይፅውዖም።
እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?
ኣይፈለጥኩምን ዲኹም? ወይ ኣይሰማዕኹምን ዲኹም? ካብ ጥንቲዶ እዙይ ኣይተነገረኩምን እዩ? ምድሪ ኻብ እትምስረት ጀሚሩዶ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም?
ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥ ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።
ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤ ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥ ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
እግዚኣብሄር ብሓይሉ ንምድሪ ፈጠራ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም መስረታ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም።
እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።