4 ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።
እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”
ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”
“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤ ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤ ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተቤዚውዎ እዩ፤ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝብርትዕ ከዓ፥ ኣድሒንዎ እዩ።
ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።