13 ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥ መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤ እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥ እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥ እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥ ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”
ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤ ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤ ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤ ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።
ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”
ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”
ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን።
ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
እቲ ገፊሕ ቅፅርታት ባቢሎን፥ ፈፂሙ ኽፈርስ እዩ፤ እቲ ነዊሕ መዓፁኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽሰርሑ እዮም፤ ኣህዛብ ከዓ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ባቢሎን፥ በታ ኣነ ዘውርደላ መዓት ከምዙይ ኮይና ኽትሰጥም፥ መሊሳ ድማ ኣይትትስእን እያ፤ ህዝባውን ክደክም እዩ፤ ኢልካ ተዛረብ።” ቃል ኤርሚያስ ኣብዙይ ይውዳእ።
ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።
በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ።
እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?