11 ብምክንያት እዙይ፥ ክፉእ ነገር ክመፀኪ እዩ፤ በስማትኪ ኽተርሕቕዮ ዘይትኽእሊ፥ መከራ ኽወርደኪ እዩ፤ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ፥ ድንገት ክመፀኪ እዩ።
እቶም ፀላእትና ድማ “ኣብ ማእኸሎም ክሳዕ እንኣቱን ክሳዕ እንቐትሎምን፥ ስራሕቶምውን ክሳዕ እነቑሞ፥ ኣይፈልጡን ኣይሪኡን እዮም” በሉ።
ዘይፈልጥዎ መፈንጠር ይምፅኣዮም፤ እቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ይሓዞም፤ ናብቲ ውሽጢ መፈንጠርውን ይውደቑ።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።
ሞት ይምፅኣዮም፤ ብህይወት እንተለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ፤ ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ።
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ቀሪባ እያ እሞ፥ ብኸዩ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ።
ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።
እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”
ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን።
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
ከተማታታ ሓደ እኳ ዘይነብረለን፥ ብኣኣተንውን ዝሓልፍ ዘይብለን፥ ዝባደማን ንቑፅ ምድረ በዳን ኮና።
ንሳ ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፤ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከዓ ንቝስላ ፈውሲ ኣምፅኡላ።
ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤ ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤ ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤ ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥ ክተምፅኣ ኢኻ፤ ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።
ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ።
እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።”
ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።
ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።