Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 47:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 “ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 47:10
23 Referencias Cruzadas  

ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤ ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።


“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”


ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።


መንፈስ ንምትራፍ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የለን፤ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞቱውን ስልጣን የብሉን። ኣብ ጊዜ ውግእ ከዓ ምስንባት የለን፤ ክፍኣት ድማ ነቲ ሰራሒኡ ኣየድሕኖን።


ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥


እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!


ሓሙዅሽቲ ይበልዕ፤ ዝታለል ልቢ ኣስሒትዎ፥ “እዝ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሰትዶ ኣይኮነን” ኣይብልን፤ ንባዕሉ ኸድሕን ኣይኽእልን እዩ።


“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥ ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤ ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤ ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’ እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።


እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!


ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።


ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።


ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ።


ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።


ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።


ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።


ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።


“ነቶም ጥበበኛታት፥ ብጕርሖም ይሕዞም” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዕሽነት እዩ እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos