3 “ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
ህዝብኻ ኣድሕን፤ ርስትኻውን ባርኽ፤ ሓልዎም፤ ንዘለኣለምውን ልዕል ልዕል ኣብሎም።
ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፤ ካብ ማህፀን ወላዲተይ ጀሚሩውን ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ።
እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።
እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።
ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።
“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።
ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።
“ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።
“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤ ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤ ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።
ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።