8 ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤ ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤ ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤ እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ? ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥ ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።
እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።
ንሱ ኸም ህቦ ኣብ ልዕሊ ሰውሒ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘንጠብጥብ ነጠብጣብውን ይወርድ።
ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
“ማይ ኣብቲ ፅሙእ ቦታ፥ ወሓይዝ ከዓ፥ ኣብቲ ንቑፅ መሬት ከፍስስ እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፥ በረኸተይ ከዓ ኣብ ውሉድካ ኸውርድ እየ።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥ ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።
ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥ ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥ ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”
ኣነ ኸዓ “ንኣኣተን ነቲ ኣብ ዙርያ ዀረብታይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ፤ ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፤ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።