3 ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
ሕዚ ድማ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! እቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ተስፋ ይፅናዕ።
“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ።
ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና። ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥ እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤ ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤ ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤ መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም።
ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ።
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
ኣቲ ብመዛግብቲ ዝበልፀግኪ፥ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘለኺ፥ እቲ መስፈሪ ስስዐኺ በፂሑ፥ ፍፃመኺውን ቀሪቡ እዩ።
ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፥ ልዕልና ሓይላውን እንተፅንዐት፥ ካባይ መጥፋእቲ ኽመፅዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”