7 ከማይ ዝበለ መን ኣሎ? እስቲ ይለዓል እሞ ይዛረብ፤ ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝፈጠርኩሉ ጀሚሩ፥ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ፤ ብዛዕባ እቲ ዝመፅእን፥ ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር።
ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ።
ይምፅኡ፥ ነቲ ዝኸውንውን ይንገሩና፤ ልቢ ኽንገብር መወዳእታኡውን ክንፈልጥ፥ እቶም ዝቐደሙ ነገራት፥ እንታይ ከም ዝኾኑ ተናገሩ፤ እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና።
ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና። ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥ እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።
ንሕና ኽንፈልጦ፥ ሓቂ እዩውን ምእንቲ ኽንብልስ፥ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ፥ እዙይ ክኸውን ከም ዘለዎ፥ ዝተናገረ መን እዩ? ዝተናገረ የለን፥ ዝገልፅውን የለን፤ ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን።
ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንትውልዲታት፥ ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥ ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”
ኣነ እየ ዝነገርኩ፥ ዘድሓንኩ፥ ዘርአኹ፥ ካልእ ኣምላኽ ድማ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይነበረን። ንስኻትኩም ከዓ መሰኻኽረይ ኢኹም፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”
ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።
እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥ ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ።