5 “እቲ ሓደ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኽብል እዩ፤ እቲ ሓደ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፤ እቲ ሓደ ድማ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኢሉ፥ ኣብ ኢዱ ኽፅሕፍ እዩ፤ ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።”
ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ።
በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”
ኦ ጐይታ፥ ኣነ ባርያኻ እየ፤ ኣነ ባርያኻ ወዲ ኣንስተይቲ ባርያኻ እየ፤ መዋቕሐይ ሰበርካ።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ።
ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ።
ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።