23 ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
ሰማያት ደስ ይበሎም፤ ምድሪ ኸዓ ትተሓጐስ፤ ኣብ ኣህዛብ ድማ፥ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ ይበሉ።
ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረትን ድምፂ ይሃብ፤ በረኻን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዳንያ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም ኣብ ቅድሚኡ ብታሕጓስ ይዘምሩ።
ኵልኻትኩም ገበላት መዓሙቝ ማያት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።
ኵልኻትኩም እምባታትን ኰረብታታትን፥ ኵሉ ዘፍሪ ኦምን ዝግባን፥
ሜዳታት ብመጓሰ ተመልኡ፤ ለሰታት ድማ ብእኽሊ ተሸፈኑ፤ ብሓጐስ ዕልል ይብሉን ይዝምሩን።
ሰማይን ምድርን ባሕርን፥ ኣብኣ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
እግዚኣብሄር ንፅዮን ከድሕና እዩሞ፤ ከተማታት ይሁዳውን ክሃንፅ እዩሞ፤ ኣብኣ ክነብሩን ክወርስዋን እዮም።
ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት።
ዮቶር ድማ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሰ።
ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ።
ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ኣብዛሕኻ፤ ንስኻውን ከበርካ፤ ንዅሉ ወሰን እታ ምድሪ ድማ ኣስፋሕኻ።
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።
ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።
ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተቤዚውዎ እዩ፤ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝብርትዕ ከዓ፥ ኣድሒንዎ እዩ።
እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ክመፁዋ እዮም እሞ፥ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን፥ ብዛዕባ ባቢሎን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ።
ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንእምባታት እስራኤል ተነበየሎም፤ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ ከዓ በሎም።
ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።
ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ኽቐብሮም እዩ፤ እዙይውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ፥ ንስም ክኾኖም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
“ዓረገ” ማለት፥ ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”