21 “ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ንምንታይ “መንገደይ ካብ እግዚኣብሄር ተሰዊራ እያ፤ ፍርደይ ድማ ኻብ ኣምላኸይ ሓሊፋ እያ” እትብል? ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ?
ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ? ንሓዋሩ ኢሉ፥ ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
ኣብ መንጎ ህዝብታት እኳ እንተ በተንክዎም፥ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን፥ ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።
ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤ ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።