13 ፀራቢ ብገመድ ይልክዕ፤ ብርሳስ ይሕንፅፆ፤ ብመንደል ይነድሎ፤ ብመቕረፂ ይቐርፆ፤ ከም መልክዕ ሰብ፥ ከም ምልኩዕ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ እሞ፥ ኣብ መምለኺ የንብሮ።
ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት።
ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ።
ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ።
ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ።
እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
ዝግባ ይቘርፅ፤ ወይ ኣውሕን ሳግላን የምፅእ፤ ወይ ካብ ኣእዋም ዱር ሓርዩ፥ ፅሕዲ ይተክል፤ ዝናም ድማ የብቍሎ።
ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።
ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።
ብእግዚኣብሄር ዝተፀልአ፥ በእዳው ብልሓተኛ ዝተገብረን፥ ዝተወቕረን፥ ብፍሲ ምስሊ ዝተገብረን፥ ሓቢኡ ኸዓ ዘንብሮ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም።
ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም።