12 ቀጥቃጢ ሓፂን፥ ቍራፅ ሓፂን ይሕዝ እሞ፥ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፤ ብመዶሻ ቐጥቂጡ ድማ ቕርፂ የውፅአሉ፤ ብሓይሊ ቕልፅሙ ይሰርሖ፤ ንሱ ይጠሚ፤ ይደክምውን፤ ማይ ኣይሰትንሞ ዓቕሚ ሰኣነ።
ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም።
ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።
ንዝተቐረፀ ምስሊ በዓል ሞያ እዩ ዝሰርሖ፤ ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፤ ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ።
እቲ ኽሳዕ ክንድዙይ ከውፅእ፥ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻ ድማ፥ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ይመርፅ፤ ከም ዘይነቓነቕ ምስሊ ገይሩ፥ ዘቑመሉ ኽኢላውን ይደሊ።
እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?
እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም?
መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ።
ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም።