1 “ሕዚ እውን ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ኣታ ዝሓረኩኻ እስራኤልውን ስማዕ።
“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
ርስቲ ባርያኡ እስራኤል፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።
“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥ ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤ ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥
ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ? ንሓዋሩ ኢሉ፥ ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
ስለ ባርያይ ያእቆብ፥ ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”
ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።