Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 43:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 43:9
17 Referencias Cruzadas  

ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።


ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።


“ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤ ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”


“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።


ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።


ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።


ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።


እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።


ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘለኹም ኵልኹም ኣህዛብ፥ ቀልጥፉ ንዑ ተአከቡ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንጀጋኑኻ ናብኡ ኣውርዶም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos