8 “ነቶም ኣዒንቲ ዘለውዎም ዕዉራት ህዝቢ፥ ኣእዛን ዘለውዎም፥ ፀማማት ዝኾኑ ህዝቢ ኣውፅእ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።
ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።”
ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።”
‘ምርኣይ ክሪኡ ግና ኸየስተብህሉ፥ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ፥ ንስሃ ኸየኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ፥ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም።’ ”