5 ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።
ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥ ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤ ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ዝፈጠረካ፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐካ፥ ዝረድአካ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።”
እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”
ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤ ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤ እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥ መንበሪ ኽገብረን እዩ።
“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤ ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።
ዘርኣቶም፥ ኣብ ኣህዛብ፥ ትውልዶም ከዓ፥ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኸውን እዩ፤ እቶም ዝርኢዎም ዅሎም፥ እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም፥ ክፈልጡ እዮም።”
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
“ስለዙይ እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።”
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።
በዝ ዓመት እዙይ ሓደ ወረ ኽውረ፤ በቲ ዳሕረዋይ ዓመት ድማ ኻልእ ወረ ኽውረ፥ ኣብ ሃገር ከዓ ዓመፅ ኽስልጥን፥ ገዛኢውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ኽለዓል እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ በቲ ኣብታ ሃገር ዝስማዕ ወረ ኸዓ ኣይትፍርሑ።
እንሆ፥ ኣነ ኻብቲ ንኣኣቶም ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸልዕሎም እየ፤ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤
ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም።
ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ።