12 ኣነ እየ ዝነገርኩ፥ ዘድሓንኩ፥ ዘርአኹ፥ ካልእ ኣምላኽ ድማ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይነበረን። ንስኻትኩም ከዓ መሰኻኽረይ ኢኹም፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።
“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”
ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፤ ብቐደሙዶ ኣይነገርኩኹምን እየ? ወይ ኣየርአኹኹምን ድየ? ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። ብዘይ ዘኣይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ? ካልእ ኰዅሒ የለን፤ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።”
ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤ ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤ ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤ ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።
ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።