9 እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”
ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኽስመ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ንባርያይ ዳዊት ኵሉ ዘመን ኣብ ቅድመይ መብራህቲ ክኾነሉ፥ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።
ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤ እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።
ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።
እቲ ነገር ምስ ኮነ፥ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እቲ ነገር እንተይኮነ፥ ካብ ሕዚ እነግረኩም ኣለኹ።
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።