23 ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ? ንሓዋሩ ኢሉ፥ ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?
ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።
ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥ ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።
እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።
ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ።
እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥
ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤ መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።