16 “ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ንርስቱውን ኣይሓድጎምን።
ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ።
ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?
መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።
እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።”
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።
ዓይኒ ዝሪኡ ሰባት፥ ኣይዕመትን፤ ዝሰምዑ ኣእዛንውን ከዳምፁ እዮም።
ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ክበርሃ፥ ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ስንጭሮ ዝኾነ ልዕል ይበል፤ ኵሉ እምባታትን ኰረብታታትን ድማ፥ ትሕት ይበል፤ ቀይናን ይቕናዕ፤ ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን።
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥ መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።
“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
ነርዑት ባርነትን፥ ንናይ ንዕቐት ምውጥዋጥ ኣፃብዕትን፥ ንሕማቕ ዘረባን፥ ካብ ማእኸልካ እንተ ኣርሒቕካ፥ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፥ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተፅገብካ፥ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ፀልማት ክበርህ፥ ፀልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
መንገዶምን ግብሮምን ምስ ረአኹም፥ ንምፅንናዕኹም ክኾኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ፥ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ።
ንሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ኦሪዮን ንዝተብሃለ ኾከብን ዝፈጠረ፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ናብ ወጋሕታ ንዝልውጥ፥ ንመዓልቲ ኸዓ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገበሮ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ፥ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።