15 ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥ ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤ ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤ ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”
ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤ ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤ ንዀረብታታት ከዓ፥ ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።
ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።
“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
ንእምባታት ጠመትክዎም፤ እንሆ ኸዓ ራዕራዕ ይብሉ፤ ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ።
ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እዛረብ ኣለኹ፤ ርግፅ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል፥ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ።
ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ።
ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።
መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።