13 እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤ ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤ ይፍክርን ይዝምርን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።
የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ልዕል ልዕል ኣበለትኒ፤ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ሓይሊ ገበረት።”
እግዚኣብሄር ካብ ድቃሱ ኸም ዝነቅሕ፥ ስኻር ወይኒ ኸም ዝሓደጎ ኸም ሓያል ሰብ ተስአ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።
ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’
ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።”
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥ ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥ ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።
ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።