7 እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ይሕግዝ ነበረ፤ ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ።
ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።
ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም።