6 ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ይሕግዝ ነበረ፤ ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ።
ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
ንዝተቐረፀ ምስሊ በዓል ሞያ እዩ ዝሰርሖ፤ ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፤ ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ።
“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤ ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤ ቀረቡ፤ በፅሑውን።
እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
ቀጥቃጢ ሓፂን፥ ቍራፅ ሓፂን ይሕዝ እሞ፥ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፤ ብመዶሻ ቐጥቂጡ ድማ ቕርፂ የውፅአሉ፤ ብሓይሊ ቕልፅሙ ይሰርሖ፤ ንሱ ይጠሚ፤ ይደክምውን፤ ማይ ኣይሰትንሞ ዓቕሚ ሰኣነ።