4 ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንትውልዲታት፥ ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥ ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።
ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ነዝ ኵሉ ኸም ዝገበረት፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ነዙይ ከም ዝፈጠሮ፥ ሰባት ክሪኡን ክፈልጡን ክሓስቡን፥ ሓቢሮም ከስተውዕሉን እዮም።”
ንሕና ኽንፈልጦ፥ ሓቂ እዩውን ምእንቲ ኽንብልስ፥ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ፥ እዙይ ክኸውን ከም ዘለዎ፥ ዝተናገረ መን እዩ? ዝተናገረ የለን፥ ዝገልፅውን የለን፤ ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን።
ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥ መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።
ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”
ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።
ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’
ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።
ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።
“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”