3 ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥ መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።
ድንኳንካውን ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፤ ንደምበኻ ክትምልከቶ ኢኻ፤ ሓደኳ ኣይጐድለካን።
“ካብ ምብራቕ ንሓደ ዘልዓሎ፥ ብፅድቂውን ናብ እግሩ ዝፀውዖ መን እዩ? ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንነገስታትውን ኣግዘአሉ፤ ንሰይፉ ኸም በነንታ፥ ንቐስቱ ኸዓ፥ ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም።
ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንትውልዲታት፥ ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥ ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”
ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።