Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 41:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 41:16
31 Referencias Cruzadas  

እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።


ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”


ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።


እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።


ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።


እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።


ገና ምስ ተተኸሉን ምስ ተዘርኡን፥ ኣብ ምድሪ እውን ሱር ምስ ሰደዱ፥ ንሱ ኡፍ በሎምሞ ነቐፁ፤ ንፋስ ኣውሎ ከዓ ኸም ብቝቡቝ ፀራረጎም።


“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”


“ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥ ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።


እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።


ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።


ንባቢሎን ዝበታትንዋ፥ ንሃገራ ኸዓ ዘባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓት ዝወርደላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብዅሉ ወገን ክወርዋን ከባድምዋን እዮም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ መዶሻይን ኣፅዋር ውግአይን ኢኺ፤ ብኣኺ ገይረ ህዝብታት ክሰባብር እየ፤ ብኣኺውን መንግስታት ከጥፍእ እየ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ጓል ባቢሎን ከም ዝርገፅ ዘሎ ዓውዲ እያ፤ ቁሩብ ፀኒሑ ድማ ቐውዒ ኽመፃ እዩ።”


ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።


ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥ ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤ መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤ ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤ ብመዓትውን ኣይመፅእን።


ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።


እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።


ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።


ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”


እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።


ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos