1 “ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤ ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”
ከም ሰብ ኴንካ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤ ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤ ቀረቡ፤ በፅሑውን።
“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።
ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”
ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤ ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤ ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤ ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
እቲ ዘፅድቐኒ ኣብ ቀረባ እዩ፤ መን እዩ ዝሟገተኒ? ብሓደ ንቑም፤ መንከ እዩ ተፃራርየይ? ናባይ ይቕረብ። መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።
እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል።