Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 40:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 40:9
31 Referencias Cruzadas  

ኣብያ ኸዓ ኣብ እምባ ኤፍሬም ኣብ ዘላ ዀረብታ ፅማራይም ኮይኑ ንኢዮርብዓምን ንሰራዊት እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኢዮርብኣምን ኵልኹም እስራኤልን ስምዑኒ፥


ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።


እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።


በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።


ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።


ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።


ግና ንቓል ባርያይ ኣፅንዖ፥ ንምኽሪ ልኡኻተይ እፍፅሞ እየ። ንኢየሩሳሌም ‘መንበሪ ሰብ ክትኮኒ ኢኺ’ ኢለ እነግራ፤ ከተማታት ይሁዳ ‘ክህነፃ እየን’ ንዑናታተንውን ‘ክሕድሶ እየ’ ኢለ ኽነግረን እየ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?


“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤ ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤ ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።


ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”


እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም።


ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።


ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።


ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።


እንሆ እግሪ እቲ ብስራት ዘምፅእ ሰላም ከዓ ዝእውጅ ኣብ እምባታት ኣሎ። ኣታ ይሁዳ፥ እቲ ዘጥፍእ ጠፊኡ እዩሞ፥ ካብ ደጊም በኣኻውን ኣይሓልፍን እዩሞ፥ ዓመት በዓላትካ ግበር፤ መብፅዓኻውን ክፈል።


ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።


ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ።


ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።


ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።


እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ? እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ” ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ።


ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።


እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።


ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።


ንኢዮኣታም እዙይ ምስ ነገርዎ፥ ናብ ርእሲ እምባ ገሪዛን ከይዱ ደው በለ፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ሴኬም፥ እግዚኣብሄር ክሰምዐኩምስ ስምዑኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios