8 ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
ንዘለኣለመ ኣለም ፀኒዑ ይነብር፤ ብሓቅን ብቕንዕናን ዝተሰርሐ እዩ።
ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኵሉ ሕጊ እውን ክሳዕ ዝፍፀም፥ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንፃፅ ከም ዘይትሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብስራት ከዓ እዙይ እዩ።